Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጥቕዓት ብምብፃሕ ዝተጠርጠሩ 16 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ቤንች ሸኮ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጥቕዓት ብምብፃሕ ዝተጠርጠሩ 16 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም።

ካብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሓደ ኣባል ፖሊስን ኣርባዕተ ኣመራርሓን ከምዝርከብዎም ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ፍቅሬ ኣማን ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፥ 8 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልተ ጣቢያታት በዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 31 ሰባት ህይወቶም ሓሊፎም ኢዮም።

ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ጉድኣት ከመዝበፅሖም ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ 1 ሺሕን 480 መራሕቲ ስድራ ካብ መረበቶም ብምምዝባል ኣብ ከተማ ቢሸፍቲ ዘዕቖቡ እንትኾኑ፥ ጊዚያዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ ዝነበርሉ ንምምላስን ምርግጋዕ ንምንጋስን ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ብተስፋዬ ምሬሳ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.