Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምዝገባ ተምሃሮ ከምዝተጀመረ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል መምርሒ ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ እቲ መምርሒ ኣይተ ኣብርሃ ደሳለው፥ እቲ ምዝገባ ተምሃሮ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

ከተማታት መኾኒን ዓዲሸሁን ምዝገባ ተምሃሮ ካብ ዝተገበሩለን ከተማታት ተረቋሕቲ ኢየን ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ፥ እቲ ምዝገባ ብምዝዛም ኣብ ዝሓፀረ እዋን መምሃር ምስትምሃር ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

እቶም ተምሃሮ ትምህርቲ ኣብ ዝጅምርሉ እዋን ንቫይረስኮሮና ተቓላዕቲ ንከይኾኑ 40 ሺሕ ማስክታትን ሳኒታይዘርን ከምዝተዳለወ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ማይጨውን ካልኦት ከባቢታትን ምዝገባ ተምሃሮ ንምጅማር ዘኽእል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ እውን ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.