Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጅማ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ናውቲታት በፂሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጅማ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ናውቲታት ከምዝበፅሑ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ምርጫ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሸሪፍ አባገላን፥ እቶም ናውቲታት ምርጫ ናብ ኩሎም ክልላት ምርጫ ተከምዝተባፅሑ ገሊፆም።

ናብ ጣቢያታት ምርጫ ድማ ክሳብ ፅባሕ ፍርቂ መዓልቲ ክባፅሑ ኢዮም።

ኣብቲ ዞባ 7 ፓርቲታት ፖለቲካን 1 ብውልቀ ዝወዳደርን እንትምዝገቡ 33 ሕፁያት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 68 ድማ ንቤት ምኽሪ ክልል ክወዳደሩ ኢዮም።

ከምኣገላልፃ እቶም ሓላፊ 18 ክልላት ምርጫ፣ 1 ሺሕን 583 ጣቢያታት ምርጫ ዘለዉ አነትኾኑ፥ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ድምፂ ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ፥ ዜጋታት ብዘይ ምንም ስግኣት ኣብቲ ምርጫ ንክሳተፉ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እወን ገሊፁ።

ብኣፈወርቅ አለሙ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.