Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ህይወት 8 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰባት ኣሳፊሩ ካብ ወረዳ ገረሴ ናብ ከተማ ኣርባምንጭ እናተጉዓዘ ዝነበረ ሚኒባስ መኪና ብዘጋጠሞ ሓደጋ ምግልባጥ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ኣርባምንጭ ወረዳ ቆላ ሼሌ እንትበፅሕ ዘጋጠመ ምዃኑ ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ጋሞ ኮማንደር ረታ ተክሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ትማሊ ከባቢ ሰዓት ትሽዓተ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ፥ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ 13 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ ተገሊፁ።

መበገሲ ናይቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ኮማንደር ረታ ተክሉ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.