Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደምቢዶሎ ተምሃሮ ዓጊቶም ኢዮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 17 ውልቀሰባት ብገበን ግብረ ራዕዲ ክሲ ተመስሪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደምቢዶሎ ተምሃሮ ዓጊቶም ኢዮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 17 ውልቀሰባት ብገበን ግብረ ራዕዲ ክሲ ተመስሪቱሎም።

ትማሊ ኣብ ውሽጢ ብእኒ ከሊፋ ኣብዱረሂማን ዝፅዋዕ መዝገብ ክሲ  17 ውልቀ ሰባት ብላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ በቢብርኮም 3 ክሲ ተመስሪቱሎም።

እቲ ክሲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቀዳማይ ተረኛ መጋባእያ ገበን ዝተመስረተ እንትኸውን፥ ካብ’ቶም 17 ተኸሰስቲ እቶም 10 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተኸሰስቲ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ መንነቶም ዘረጋገፀ እንትኸውን፥ ካብዚኦም ውሽጢ እቲ ሓደ ተኸሳሲ ኣብ ጊዘ ቆፀሮ እንተሎ ብዋሕስ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ።

እቶም ክልተ ድማ ብኮቪድ 19 ብምጥርጣሮም ኣብ ክፍሊ ፈሊኻ መፅንሒ ንክኣትዉ እንትግበር፥ ዝተረፉ ሸውዓተ ተኸሰስቲ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ሰለስተ ክስታት ዝተመስረተሎም እንትኸውን፥ ነቲ ገበን ዝፈፀምዎ 24ን 25 ሕዳር 2012 ዓ.ም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዕለት ናብ ቤተሰቦም ይምለሱ ዝነበሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢዶሎ ብምዕጋትን መረዳእታ ንኣካላት ፀፅታ ብምሕባእን ገበን ብሓፈሻ በቢብርኩ ሰለስተ ክስታት ቀሪቡሎም።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ 14 ዘለዉ ተኸሰስቲ ኣብቲ ገበን ብቐጥታ ብምስታፍ ዝተኸሰሱ እንትኾኑ፥ እቲ መበል 15 ተኸሳሲ ድማ ኣባልን ኣተሓባባሪን ኦነግ ሸኔ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዘቕረቦም ክልተ ክስታት ኣብ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ 652/2001 ዓንቀፅ 3 ንኡስ ቁፅሪ ሰለስተ መሰረት እቲ ተኸሳሲ ልዕል ክብል ኣብ ዝተሓበረ ጊዜ ዝተዓገቱ ሓሙሽተ ደቂ ተባዕቲዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ተምሃሮ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብምሕባእ እንተይኣፍለጠ ናብ ጫካ ንምውሳድ ብዝብል ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ክሲ ኣቕሪቡሉ።

ኣብቲ ካልኣይ ክሲ ድማ ተሓጋጋዚን ገናሒ መኪናን ዝኾኑ ተኸሰስቲ፥ መንገዲ ብምዕፃው ተምሃሮ ዓጊቶም ጫካ ብምውሳድ ንኦነግ ሸኔ ኣሕሊፎም ብምሃቦም እቲ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ጠቒሱ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዘቕረቦም ክልቲኦም ክስታት ኣብ ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ 652/2001 ዓንቀፅ 3 ንኡስ ቁፅሪ ሰለስተ መሰረት ዝተፈፀሙ ግብረ ራዕዲ ጠለፋን ማዕገትቲን ዘመላኽቱ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ሳልሳይ ክሲ ድማ ቀዳማይ ተኸሳሲ ተምሃሮ ኣብ ጫካ እናተጓዓዙ እናሃለዉ መሽዩዎም፥ ተዓገድቲ ምዃኖም እናፈለጠ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብምሕዳሩን ንዝኾነ ይኹን ናይ መንግስቲ ኣካል ብዘይምፍላጡን ገበን ግብረራዕዲ ንዝምልከቶ ኣካል ብዘይፍላጥ ብዝብል ዝቐረበ ክሲ ምዃኑ ተረቚሑ።

ብመሰረት እዚ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ክሲ ዘቕረበሎምን ኣብቲ ችሎት ዝተረኸቡን ሰለስቲኦም ተኸሰስቲ እቲ ክሲ ጠበቓ ብምቛም ይነበበልና ምባሎም ስዒቡ ቤት ፍርዲ ብጠበቓ ክሶም ንክንበበሎም ኣዚዙ።

እቲ ክሲ ብጠበቓ ኣብ ችሎት ንምድማፅ እቲ ቤት ፍርዲ ን30 ሓምለ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.