Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምሕጋዝ ትኹረት ተዋሂቡ ይሰርሕ ኣሎ-መንግስቲ ኣየርላንድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ በርነን ዘቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ዘተ፥ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ፀገም ንክወፅእ፣ ናብ ሰላምን ልምዓትን ንክምለስን ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ብሓፈሻ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንክትግበር መንግስቲ ኣየርላንድ ኮነ ካልኦት መንግስታት ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኒኮላ በርነን ብግደአን፥ መንግስቲ ኣየርላንድ ንብዙሕ እዋናት መሓዛ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ብዙሓት ስራሕቲ እናዓመመ ከምዝመፅአ ኣዘኻኺረን።

ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምሕጋዝ ትኹረት ተዋሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎን ንቐፃሊ ፕሮጀክታት ተሓኒፂፁ ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ሓቢረን።

ብፍላይ ከቢድ ጉድኣት ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ መንግስቲ ኣየርላንድ ብዕቱብ ክሰርሐሉ እዩ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.