Fana: At a Speed of Life!

 ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ መሬትን ውሕስና መግቢን ትግራይ ዝጠመተ መድረኽ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብ“ፎረም ፎር ሶሰሻል ስተዲስ” ዝተብሃለ ትካል ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ መሬትን ውሕስና መግቢን ትግራይ ዝጠመተ መድረኽ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ዘለው ፀገም ምሕደራ መሬትን ውሕስና መግቢን ብዝምልከት ዘተ ተገይሩሉ።

መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ገፀር መሬት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ከበደ ማንጁር ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ መሬት ምሻጥን ምልዋጥን ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ገፀር ትግራይ መሬት ብቅርሺ ንካልእ ኣካል ምክራይ ከምዘሎ እውን ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ እዩ ይብል።

እቲ መፅናዕቲ ከምዘመላኽቶ ድማ ኣብ ገፀር ትግራይ ካብ 15 ክሳብ 30 ሚኢታዊ መራሕቲ ስድራ መሬት መሰረት ዝገበረ ምትዕድዳግ ከምዘሎ ዶ/ር ከበደ ገሊፆም።

ሓረስታይ ትግራይ መሬቱ ንካልእ ዘካርይ ዘሎ ድማ ኪሳራ ንምቕናስን ንመፍረያይነት ሕርሻ ካብ ዝፀልው ነገራት ንምርሓቕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ከይዲ ምዝገባ ምርግጋፅ ውሕስና መሬት ምክያዱ ድማ ነቲ ዘሎ ፀገም ክፈትሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፎረም ፎር ሶሻል ስተዲስ ዶ/ር የራስወርቅ ኣድማሴ ብግደኦም፥ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ፀገም ምሕደራ መሬትን ውሕስና መግብን ምርምራት ብምግባር ንፖሊሲ መውፃእቲ ክቐርብ እዩ።

ኣብዛ ሃገር ዘሎ ፀገማት ልምዓት ክፍታሕ ድማ ኣብ ዝተፈላለዮ ዘፈራት ምርምርን መፅናዕትን፣ ህዝባዊ ምይይጥ ብምክያድ ፎረም ፎር ሶሻል ስተዲስ ፃዕሪ ይገብር እዮ ኢሎም።

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.