Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ንዕዱማት ኣጋይስ ዝተናድአ ርብራብ ተደርሚሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ቀሊልን ከቢድን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ንዕዱማት ኣጋይስ ዝተናድአ ርብራብ ተደርሚሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ቀሊልን ከቢድን ሓደጋ ከምዘጋጠሞም መምርሒ ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ምምሕዳ ከተማ ጎንደር ገሊፁ።

እቲ ሓደጋ፥ ንኣጋይሽ መቐመጢ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ርብራብ ዕንጨይቲ ብሃንደበት በምድርማሱ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ መምርሒ ተስፋ መኮንን ተዛሪቦ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሰባት ከቢድን ቀሊልን ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ካብዚ ሓሊፉ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ከምዘለዉን እውን ኣፍሊጦም

በአደጋው ከተጎዱት መካከል የተወሰኑት ሕክምና ተደርጎላቸው ወደ ቤታቸው መመለሳቸውን ጠቅሰው፥ ቀሪዎቹ ሕክምና እየተደረገላቸው እንደሚገኝም አስረድተዋል።

ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም ሰባት ውሽጢ እቶም ሓሙሽተ ከቢድ ጉድኣት ዘጋጠሞም እንትኾኑ፥ ቀሊል ጉድኣት ካብ ዘጋጠሞም ውሽጢ ድማ ክልተ ዜጋታት ወፃኢ ሃገርን ክልተ ሓይሊታት ፀፅታን ከምዝርከቡዎም ገሊፆም።

ካብቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገም ፀፅታ ከምዘይነበረን እቶም ታቦታት ብሰላም ነናብ ኣድባራቶም ከምዝተመለሱን ምግላፆም ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣምሓራ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.