Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፍርያት ጣፍ እታወት ብምውሳኽ መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እታወት ብምውሳኽ ፍርያትን መፍረያይነትን ፍርያት ጣፍ ንምድንፋዕ ዘኽእል “ሓደ ተመራፂ ፍርያት ኣብ ሓንቲ ሃገር” ዝተብሃለ ናይ ክልተ ዓመት ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ዝተሰናደአ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ኣመጋግባ ንምምሕያሽ ጣፍ ብፍሉይ ፅሬት ንምፍራይ ዘኽእል ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ፍርያት ጣፍ እታወት ብምውሳኽ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዘኽእል ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት÷ ኣካል ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመት ዝፀንሕ ዓለም ለኸ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ፕሮግራም ተመራፂ ፍርያታት ሕርሻ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ምህዳር ሕርሻ ዝፈሪ ጣፍ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ እኹል ዘይኮነ መፍረያይነት ምምሕያሽ ከምዝግባእ ምግላጹ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ልዕሊ 70 ሚሊየን ሓረስቶት ዝሳተፉሉን ብስፍሓት ፍረያት ጣፍ ዝፈርየሉን ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

90 ሚኢታዊ ፍርያት ጣፍ ዓለም ተፍሪ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ኤዥያን ተደላዪ ፍርያት ይኹን እምበር ብመጠን ተፍርዮ ዓቕሚ እናተጠቐመት ከምዘይኮነት ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.