Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 25 ከተማታት ገፀር ዝተጀመረ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ፀሓይ ኣብዚ ዓመት ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 25 ከተማታት ገፀር ዝተጀመረ ፕሮጀክት ፍልፍል ሓይሊ ፀሓይ ኣብዚ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ነተን ከተማታት ተረባሕቲ ንምግባር “ፕሮጀክት ሚኒ ግሪድ ሶላር” ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኮርፖሬት እቲ ኣገልግሎት መላኩ ታዬ፥ እቲ ህንፀት ብሽዱሽተ ሎት ብምክፍፋል ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብሓፈሻ 8 ሜጋ ዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እቲ ፕሮጀክት ዝርገሐ መስመር 68 ነጥቢ 7 ማእኸለዋይን 233 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትር ታሕተዋይን ክካየድ ኢዩ።

ብመሳፍንት እያዩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.