Fana: At a Speed of Life!

ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ኣፈፃፅማ ደምቢን መምርሒን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ገምጊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ፌዴራልን ክልልን ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝወፅአ ደምቢን መምርሒን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣድሂቦም ኣብ ኣፈፃፅምኡ ገምጋም ኣካይዶም።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፅኦ፥ ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ገምጋም ኣብ ኣፈፃፅማ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻትን ውፅኢታትን ከምዘለዉ ከምኡ እውን ብዙሓት ክፍተታት ከምዘለዉ ተራኢዩ ኢዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣዋጅን ነዙይ ንምፍፃም ዝወፅኡ ደምቢታትን መምርሒታትን ንምቕፃዕ ዘይኮነስ ህዝቢ ካፍቲ ለበዳ ሕማም ንምሕላው ኢዩ ዝበላ ወይዘሮ አዳነች፥ ስራሕቲ ምኽር ሕጊ ውፅኢታዊነቱ ክፍለጥ ዝኽእል ብበዝሒ ዝተቐፅዑ ሰባትን ብኽብደት እቲ መቕፃዕቲን ዘይኮነስ እቲ ለበዳ ንምግታእ ብዝተገበረ ፃዕሪ ክኸውን ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕነት በፂሕና ኣለና ኢለን።

ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ምዝንጋዕ ማሕበረሰብ፣ ሸለል ምባልን ምልማድ ብበዝሒ እናተረኣዩ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ስለዝኾነ ድማ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ብዙሕ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተረዲኦም ንባዕሎም ካፍቲ ሕማም ተኸላኺሎም ንሕብረተሰብ ኣርኣያ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣብ ምትእምማን ከምዝበፅሑ እውን ኣፍሊጠን።

ዓለም ለኻዊ ተላባዲ ዝኾነ ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 1 ሺሕን 344 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 14 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.