Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምስንዳእን ትግበራን ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምስንዳእን ትግበራን  ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ፥ ከይዲ ኣፈፃፅማ ምስንዳእን ትግበራን ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ፤ ከምኡ እውን ረቂቕ ፖሊሲ ትምህርቲን ስልጠናን ቀሪቡ ዘተ ተገይሩሉ።

ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ተግባራዊ ምግባሩ ስዒቡ ፃንሒት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተሓተ 4 ዓመት እንትኸውን፥ ኣብ መጀመርታ ዓመት ፃንሒቶም ድማ ናይ ሓባር ዓይነታት ትምህርቲ እናወሰዱ ይርከቡ።

ን10ይ ክፍሊ ዝወሃብ ዝነበረ መጠቓለሊ ፈተና ሓፈሻዊ ትምህርቲ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ዝቐረየ እንትኸውን፥ ቅድም ኢሉ ተጀሚሩ ዝነበረ ሕጊ ትምህርቲ ምስ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ተኣሳሲሩ ክስራሕ ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

እዚ ድማ በቢብርኩ ዘተ ምስተገበረሉ ብረቂቕ ሕጊ ተዳሊዩ ክቐርብ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሓዱሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን፥ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዘሓለወ መልክዑ ተሓቲሙ ንምውፃእ ቅድመ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲነ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.