Fana: At a Speed of Life!

ኣወዳድባ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ከም  ኣካል ወዲሰብ ድምር ውፅት ብዙሓት ኣካላት ኢዩ – ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ስራሕቲ ምቁፅፃር ኮንስትራክሽን ፌዴሪኢ ኣብ ማዕቐፍ ሕጊን ኣተገባብራን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ተኹረት ብምግባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይዛተ ኣሎ።

እቲ ዘተ”ውፅታዊ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈተኦ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ዓቢዪ ሃፍቲ፣ ቴክኖሎጂ፣ ልዑል ሃፍቲ ሰብን ፍልጠትን ዝጥቀም ዘፈር ከምዝኾነ ብምግላፅ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል ሕድል ልዑል ኢዩ ኢለን።

ኣወዳድባ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ከም  ኣካል ወዲሰብ ድምር ውፅት ብዙሓት ኣካላት ስዘዝኾነ፥ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ዝሳተፉሉ ከምዝኾነ እተን ሚኒሰትር ገሊፀን።

ሴክተር ኮንስትራክሽን ብብርቱዕ ሓገዝን ቁፅፅርን ቤት ዕዮ እቲ ተቖፃፃሪ በዓል መዚ ክሕከም ከምዝግበኦ እውን ኣገንዚበን።

ብኣሰናዳእነት በዓል መዚ ስራሕቲ ምቁፅፃር ኮንስትራክሽን ፌዴሪኢ እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ሃገር ለኸ ወፍሪ ኮንስትራክሽን፥ እቲ ዓውዲ ኣብ ምንቕቓሕ፣ ማሕለኻታት ኣብ ምፍላይን ኣንፈት መፍትሒ ኣብ ምቕማጥን ዝሐሸ ምልዕዓል ዝፈጥር መድረኽ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መድረኽ ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ከተማታት ከምዝካየድ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.