Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሙሉኣለም ጌታሁን ምክትል ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ምሕዳራ ዕዳን ሃፍቲን ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ሙሉኣለም ጌታሁን ምክትል ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ምሕዳራ ዕዳን ሃፍቲን ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣይተ ሙሉኣለም ጌታሁን፥ ናይቲ ብብር 600 ቢሊየን ካፒታል ዝተጣየሸ ኮርፖሬሽን ኢዮም ምክትል ዳይሬክተር ኮይኖም ተሾይሞም ዘለዉ፡፡

እቲ ኮርፖሬሽን ፅንቶ ዕዳ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምቅላል ውፅኢታዊ ኮይኖም ንኽዘልቁ ዝሕግዝ ሓዱሽ ትካል ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዕዳ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብምቅላል ኣብ ውሽጢ ማክሮ ኢኮኖሚ እናተፈጠረ ዝርከብ ዘይምርግጋዕ ንምውጋድ ዝሕግዝ ትካል መንግስቲ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኮርፖሬሽን ምሕዳራ ዕዳን ሃፍቲን፥ ኣብ ልዑድ ፅንቶ ዕዳ ናይ ዝጠሓሉ 7 ትካላት ልምዓት መንግስቲ ማለት እውን ትካል ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ኣገልግሎት አኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ፣ ግሩፕ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ፣ ኮርፖሬሽን ኬሚካል ኢንዱስትሪ፣ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽንን ትካል ሽኮር ኢትዮጵያ ዕዳን ሃፍቲን ዘመሓድር ኮርፖሬሽን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ቁመና ትካል ንግዲ ዝሕዝ ኮርፖሬሽን ስለዝኾነ፥ ዕድኡ ኣብ ልዕሊ በጀት መንግስቲ ፅንቶ ከምዘይፈጥር ተኣሚኑሉ ኣሎ፡፡

ኮርፖሬሽን ምሕዳራ ዕዳን ሃፍቲን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ.ም ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንኽጣየሽ ዝተወሰነ እንትኸውን፥ ተፀዋዕነቱ ድማ ንሚኒስቴር ገንዘብ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.