Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ቀፃሊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሩህ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ቀፃሊ ኣብ ምትእምማንን ሕውነትን ዝተደረኸ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሩህ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ቻይና ምስ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ጎኒ ንጎኒ ምስ ሲ ጂ ቲ ኤን ፃንሒት ገይሮም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኩለ መዳይ፣ ሓቛፊ፣ ስትራቴጂካዊን ኣብ ምትሕብባር ዝተደረኸን ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ድማ ትልሚታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ እወንታዊ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም።

ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭን ፎረም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካን ኣብ ርክብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ቻይናን ከም ኣብነት ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ ዝገበርዎ ዑደት፣ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዡ ቢንግ  ዝገበርዎ ፃዕሪ፣ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ንምጥንኻር ዘለቃ ድልየት መርኣያ ምዃኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.