Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ልኡኽ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ልኡኽ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ተዛቲዮም።

ዋና መተተሓባባሪ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ኣብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣማኻሪ ዋና ፀሓፊ ኢስላሚክ ሊግን ዶክተር ኣብዱልዓዚዝ ሳርሃ÷ ነቲ ልኡኽ ብምምራሕ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ኣብ ዝቕፅል ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሖም ብዛዕባ ዝሓሰቦም ኩለመዳይ ትልሚታት ሰላም፣ ልምዓት፣ ጥዕናን ትምህርቲን ምይይጥ ተገይሩ፡፡

ኣይተ ደመቀ÷ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሖም ዝሓሰቦም ስራሕቲ ልምዓት ዘድሊ ሓገዝ ንምግባረ ድሉው ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ልኡኽ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ዕዮታት ከምዝዛተ ካብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.