Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣበባ ፣ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዑስማን ዲዮን ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ማሕለኻታት ብፍላይ ድኽነት ንምፍታሕን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ንዝገብሮ ኣስተዋፅን ሓገዝን ኣመስጊኖም።

መንግስቲ ዝጀመሮ ሪፎርም ንምዕዋት ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ እቲ ባንኪ ዝህቦ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል እምነቶም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ዑስማን ዲዮን ብግደኦም፥ እቲ ባንኪ ዝገብሮ ሓገዝ ምስ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት እታ ሃገር ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.