Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ ንተበፃሕነት  ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ጥምረት ክታበታት ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንተበፃሕነት ክታበታት ምስ ዝሰርሑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ጥምረት ክታበታት (ጋቪ) ሴዝ በርክሌይ ጋር ዘቲዮም።

ኢትዮጵያ ካብ 2021 ክሳብ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኩሎም ህፃውንቲ ተረባሕቲ ክታበት ንምግባር ዘኽእል ፕሮግራም ጉሁድ ንምግባር ዘለዋ ድልውነትን ቆራፅነትን ኣብቲ እዋን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፕሮግራም ጥዕናኡ ዝተሓለወ ህይወት ህፃናት ንምርግጋፅን ፍትሓዊን ዘላቒን ዘለዎ ክታበት ተበፃሒ ብምግባር ህይወት ወገናት ንምትራሕ ይሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡

ሴዝ በርክሌይ ብግዲኦም ልዕሊ 20 ዓመት ዝፀንሐ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ ጋቪ ዘሎ ሕውነት ዝናኣዱ እንትኸውን ፥ ብክልቲኦም ወገናት ዝተትሓዘ ኣጀንዳ ፈላማይ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ብምክልኻልን ሞት ህፃናት ኣብ ምቕናስ  ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጋቪን ዘሎ ሕውነት ኣልዒለን፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.