Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ጣሊያን መዘነኦም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ጣሊያን መዘነኦም ሉዊጂ ዲማዮ ተዛትዮም።

እቶም ሚኒስትራት፥ ኣብ ክልተኣዊ፣ ቐጠናዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ዘትዮም።

ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበረዊን ጉዳያት ዘለዎን ርክብ ብዝምልከት ምዝታዮም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ኣፍሊጡ።

ኢትጵያን ጣሊያንን ዘለወን ርክብ ብምምዕባል፥ ኣብ ትሕብብር ልምዓት፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እውን ሓሳብ ተለዋዊጦም ኢዮም።

እቶም ሚኒስትራት፥ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዉ ዞባዊ ኩነታትን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያታት ተሓባቢሮም ንምስራሕ እውን ተመያይጦም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዕላዊ ዑደት ንምግባር ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ናብ ጣሊያን ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.