Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ወፍሪ ብዝምልከት ንፕሬዚዳንት ሶማሊያ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማኻሪ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ንፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ስርዓትን ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ብፅቡቕ ኩነታት ይዛዘም ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ፍፃመ ከምዝረክብ እውን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.