Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ሓጎስ ግዚያዊ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግሩፕ ሚድሮክ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ጌታቸው ሓጎስ ግዚያዊ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግሩፕ ሚድሮክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሾይሞም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ልዕሊ 20 ዓመት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቶም ኩባኒያታት ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ዶክተር ኣረጋ ይርዳው ካብ ሓላፍነቶም ምልዓሎም ስዒቡ ኢዮም ክሽወሙ ክኢሎም።

ብኣቦ መንበር ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግሩፕ ሚድሮክ መሓመድ ኣል ኣሙዲ ተፈሪሙ ዝወፅአ ደብዳቤ ከምዘመላኸቶ፥ ካብ 17 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ግዚያዊ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣሓትን ተሓባበርቲን ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግሩፕ ሚድሮክ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንዝተሾሙ ኣይተ ጌታቸው ሓጎስ ግቡእ ምትሕብባር ንኽገብራ የሓትት።

80 ኣሓትን ተሓባበርቲን ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ግሩፕ ሚድሮክ ኢትዮጵያ ዘለዋ እንትኾና፥ እተን ኩባኒያታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ኣግሮ ኢንዱስትሪ፣ ህንፀት፣ ሆቴልን ቱሪዝምን፣ መፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ልምዓት መኣድን፣ ነዳዲን ጋዝን፣ ሪል ስቴት፣ ንግዲ፣ ጥዕና፣ ምህርቲን ስልጠናን ተዋፊረን ይርከባ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.