Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ቴሌኮም ኣብ ኣላማጣ ሙሉእ ብሙሉእ እንትጅምር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ድማ ብኸፋል ጀሚሩ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣገልግሎት ቴሌኮም ኣብ ከተማ ኣላማጣ ሙሉእ ብሙሉእ እንትጅምር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ድማ ብኸፋል ከምዝተጀመረ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ብኽፋል ዝተጀመረሎም ከባቢታት ዳንሻ፣ በተርካን፣ ሑመራ፣ ሸራሮ፣ ማይፀብሪን ማይካድራን ኢዮም።

ኣብ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም ዘጋጠሙ ጉድኣታት ንምፅጋንን መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታውን ከምኡውን ኣማራፂ ኣቕርቦት ሓይሊ ብምጥቃም ኣገልግሎት ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንምጅማር ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም ንምፅጋንን መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታውን ከምኡ ውን ስሩዕ ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣማራፂ ኣቕርቦት ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌኮም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምጅማር ልዑል ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ አወን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.