Fana: At a Speed of Life!

ኤች ኣር 6600 ብተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ዘምፅእን ፃዕሪ ሰላም ዘተዓናቕፍን ኢዩ – ፕሮፌሰር ጆን ኣቢንክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ጎንግረስ ኣሜሪካ ዝቐረበ ኤች ኣር 6600 ብተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ዘምፅእ፣ ፃዕሪ ሰላም ዘተዓናቕፍን ልምዓት ዴሞክራሲ ዘልምስን ምዃኑ ፕሮፌሰር ጆን ኣቢንክ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሌይደን ፕሮፌሰር ትምህርቲ ምሕደራን ፖለቲካንኣፍሪካ ዝኾኑ ጆን አቢንክ ኣብ “ዘ ኣሜሪካን ኮንሰርቫተቭ” ኣብ ዘስፈሩዎ ፅሑፍ፥ ረቂቕ ኣዋጅ ኤች ኣር 6600 “ኣብ ኢትዮጵያ መርግጋእ፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንምዕሳል” ዝብል ዕላማ የሓዝ እምበር ብተግባር ውፅኢቱ ክኸውን ዝኽእል ተፃራሪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

“እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ዝተመረፁ ኢትዮጵያውያን ማዕቐብ ንኽንበር፣ ንዘፈር ፀፅታ ዝግበር ሓገዝ ዝእግድን ከም ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሓገዝ ፋይናንስ ከይትረክብ ዝኽልክል ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ፕሮፌሰር ከምዝበሉዎ፥ ምኽረ ሓሳባት እቲ ረቂቕ ሕጊ ቅሉዕ ብዝኾነ ኣድልዎ ዝተመልኦ ኣካይዳን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንጎኒ ብምባል ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ውሽጣዊ ኢትዮጵያ ንኽትኣቱ ዝሓቱ ዘሓቱ ኢዮም።

ሓገዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ብዝፈቐዶ እናሰርሐ ምዃኑ እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣፍልጦ ከምዘይህብ፣ ከምኡ እውን ንህወሓት ይኹን ዝፈፀሞም ገበናት ኣብ ሓደ ቦታ ዘይፀርሕ ምሕላፉ ዘርዚሮም።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ኩነታት ዝፈጥር እምበር እቲ ኮንግረስ በቲ ኣዋጅ ክሪኦ ኢየ ዝብሎ ምርግጋእን ንጎንፂ ዝኸውን ኣማራፂ ሰላምን ከምኡ እውን ዴሞክራሲን ከምፅ ከምዘይኽእል ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.