Fana: At a Speed of Life!

ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ጳጉሜ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ካብ 2 ክሳብ 4 ጳጉሜ 2014 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ጆርካ ኤቨንትስን ኤቲኤክን ብሓባር ዘሰናድእዎ እቲ ኤክስፖ÷ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ኤስያንን ሰሜን ኣሜሪካን ክሳተፉሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ነቲ ኤክስፖ ኣመልኪቱ ብዳይሬክተር ጀነራል ፐብሊክ ዲፕሎማ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ጆርካ ኤቨንትስ ሳምሶን ሃይለእየሱስን ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ፍርያትን ኣገልግሎትን ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣብ ዙሪያ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካን ካሊእ ዓለምን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.