Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ቤተ መፃሕፍቲን ቤተ መዛግብቲን ኢትዮጵያ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ንዝርከቡ ሰባት ዝኾኑ 6 ሽሕ መፃሕፍቲ ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ቤተ መፃሕፍቲን ቤተ መዛግብቲን ኢትዮጵያ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ንዝርከቡ ሰባት ዝኾኑ 6 ሽሕ መፃሕፍቲ ንሚኒስቴር ጥዕና ለጊሱ።

እቶም መፃሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ዝተፅሓፉ እንትኾኑ፥ ናብ ፈሊኻ መእተዊ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ግዘ ፃንሒቶም ንባዕሎም ብንባብ ንኸማዕብሉ ከምዘኽእሎም ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ይኩኖኣምላክ መዝገቡ ኢዮም ንሚኒስቴር ዲኤታ ጥዕና ወይዘሮ ሳህረላ አብዱላሂ እቶም መፃሕፍቲ ኣረኪቦምወን።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ከምዝበሉዎ፥ ዜጋታት እቲ ኣፀጋሚ እዋን ብንባብ ንኸሓልፉ እቲ ኤጀንሲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ እውን ካፍቶም ሓገዛት ሓደ ኢዩ ኢሎም።

ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝኣትዉ ሰባት ሓሳቦም ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ከይሰሓብን ንወጥሪ ከይቃልዑን ግደ መፃሕፍቲ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ይኩኖኣምላክ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ፈሊኻ መፅንሒታት ከምዘገልግሉ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ንክልላት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.