Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መካይን ናብ ጋዛ ንክኣትዋ ከምትፈቅድ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ መዓልቲ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መካይን ናብ ወሽመጥ ጋዛ ንክኣትዋ ከምእተፍቅድ ኣፍሊጣ።

እቲ ውሳነ እስራኤል ከምኡ ክትገብር ካብ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝበፅሓ ፀቕጢ ከምዝኾነ’ውን ተገሊፁ።

እቲ ዝበዝሕ ክኣቱ ዝተፈቐደ ነዳዲ፥ ረድኤት ንዘብፅሓ ናይ ፅዕነት መካይን ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከምኡ’ውን ሕቡራት ሃገራት ቀረብ ማይን ፅሬትን ንምርግጋፅ ኣብ ዘካይዶ ስራሕ ዝድግፍ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዝተረፈ ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርነትን መጀመሪ ዝውዕል’ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቓዛ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ዝህብ ዘሎ ትካል ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ኣብ ፍልስጤም ዝርከብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገለ ነዳዲ ድሕሪ ምቕባሉ ኣገልግሎታቱ ክህብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.