Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሊባኖስ ደብዳብ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላና ብሂዝቦላህ ተወቒቓ ምውዳቓ ስዒቡ ኣብ ምብራቕ ሊባኖስ ደብዳብ ፈፂማ።

እስራኤል ናይ ሄዝቦላህ መሰረተ ልምዓታት ኢዮም ዝበለቶም ቦታታት ብኣር ዝደብደበት እንትትከውን÷ ብክልቲኦም ወገናት ልውውጥ ተኹሲ ከምዝቐፀለ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ፡፡

ጦር እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ እተን ጄታ ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ግዝኣት ባልቤክ ብዝፈፀመኦ መጥቃዕቲ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ሓዊሱ ካልኦት ሰለስተ መሰረተ ልምዓታት እቲ ጉጅለ ከምዝወቕዓ ኣመልኪቶም፡፡

ናይ ፍልስጤም ሃማስ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅምን ኲናት ጋዛ ክቕስቀስ ምስ ገበረ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ጀሚሩ ሄዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ጠረፍ ሊባኖስ ምስ እስራኤል ልውውጥ ተኹሲ እናገበረ ምፅንሑ ሬውተርስ ፀብፂቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኲናት እስራኤል-ሃማስ ኣብ ጋዛ ከተማ ካን ዮኒስ ልኡል ውግእ ከምዝተኻደ ተገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.