Fana: At a Speed of Life!

እቲ ኮሚሽን ኣብ ምምሕዳር ወሰን፣ መንነትን ኣብ ጉዳይ ዓርሰ ምምሕዳር መፅናዕቲ ምግባሩ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉዳያት ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ኣብ ምምሕዳር ወሰን፣ መንነትን ኣብ ጉዳይ ዓርሰ ምምሕዳርን ሃገር ለኸ መፅናዕቲ ምግባሩ እፍሊጡ።

ኮሚሽን ጉዳያት ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ሃገር ለኸ መፅናዕትን ምርምርን ከካይድ ምፅንሑ ሎምዓንቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ዕላዊ ገይሩ።

ኣዲስ ኣባበ ዩኒቨርስቲ እቲ መፅናዕቲ ብዋንነት ክመርሕ ምፅንሑን ካልኦት ፀገማት ኣብ ዝርከቦም ከባብታት ዝረከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንግስቲ ኣብቲ መፅናዕቲ ተሳተፍቲ ከምዝነበሩ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ብርክት ዝበሉ ምኽረ ሓሳባት ከምዝቐረቡ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ በቲ ውፅኢት መሰርት ኣብ ቀፃሊ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ምይጥጥ ከምዝግበረሉ ኢቢሲ ፀብፁቡ።

ድሕሪ እቲ ምይይጥ ምኽሪ ሓሳብ እቲ መፅናዕትን ምርምርን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እቲ መፅናዕቲ 68 ዞባታት ንምስታፍ ተሓሲቡ ኣብ ፀፅታን ፀገም ተሓባባራይነትን ኣብ ልዕሊ 12 ዞባታትን ፍሉያት ወረዳታት መፅናዕቲ ምግባር ከምዘይተኻኣለ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ምስ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ምፍላጥ ምግባሩ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.