Fana: At a Speed of Life!

ከምቲልሙድ ኣዲስኣበባ ሰላም እያ ክብል ላውረንስ ፍሪማን ተዛሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ትካላት ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ካብ ዘውፅእዎ መግለፂ ብተፃራሪ ከምቲ ልሙድ ኣዲስኣበባ ሰላም እያ፤ እኳ ድኣስ መገዲ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ኣሜሪካ ብዝመፁ ኣውሮፕላናት ተመሊኡ እዩ” ክብል ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪካ ላውረንስ ፍሪማን ገሊፁ፡፡

ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ፖሊስን ኣፍሪካ ምርምር ብምግባር ዝፍለጥ ላውረንስ ፍሪማን÷ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ብምግላፅ፤ ኣዲስ ኣበባ ትካላት ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ካብ ዘውፅእዎ መግለፂ ብተፃራሪ ኣብ ፅቡቅ ምንቅስቓሳት ከምእትርከብ ኣብሪሁ፡፡

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ንግዲ፣ ሆቴላትን ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ እውን ኣመላኺቱ፡፡

“ናይ ሓሶት መረዳእታ ምዝርጋሕ ደው ይበል ኣብዚ ኣፍጋኒስታን የላን፤ለውጢ ኣገዛዝኣ ንምክያድ ዝግበር ምንቅስቓስ ደው ይበል” ክብል ምግላፁ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.