Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ በዓል 3ን 5ን ደብሪ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ  ኣጀሚረን።

ካብ ከባቢ ለቡ ንዝተልዓሉ ነበርቲ፣ ዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ዝኸውን ኣባይቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፥ ስራሕቲ እቲ 180 መራሕቲ ስድራ ሰብ ዋና ገዛ ንክኾኑ ዝገብር ኣባይቲ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ዝስራሕ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ብምዝዛም ናብ ነበርቲ ዝመሓላለፍ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.