Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ህንፀት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ሑመራ፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ማይጨው፣ ዓዲግራትን መቐለን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፀት ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሑመራ፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ማይጨው፣ ዓዲግራትን መቐለን ይሳለጥ ከመዘሎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማለት) ኣፍሊጣ።

ህንፀት ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሸራሮ፣ ዓድዋ፣ ኮረም፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ኣላማጣን ውቕሮን ድማ ምድላዋት ተዛዚሙ ቐፃሊ ሰሙን ህንፀት ከምዝጅመር ተገሊፁ።

እቲ ህዝፀት “ሓገዝ ህዝብና ዋላ ንሰከንድ ከምዘይፍለየና ብምትእምማን ዝጅመር ምዃኑ እንትነብስር ዝስመዐና ተወሳኺ ታሕጓስ ወሰን የብሉን፤” ክትብል ማልት ሓቢራ።

“ትግራይና ምስ ዓለማ ክትደላደል ተዀይና ምዕባለኣ ኣብ ብልሒ ጫፍ ፍልጠትን ክእለትን ተጋሩ ክህነፅ የግባእ ዝበለት እታ ትካል፥ እዙይ ድማ ብሕታዊ ሓላፍነት ተጋሩ ስለዝኾነ ኣብ ውልቃዊ ናብራና ዋላ ሓንቲ ፅዕቶ ብዘይብሉ ወፈያ ተኣምር ንስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ዕድልና’ውን ክንውንን ይግባእ ክትብል ኣብ ዘውፀኣቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.