Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ለውጢ ብዓወት ንኽዛዘም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘለዉዎ ኮኖም ርብርብ ክገብሩ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ለውጢ ብዓወት ንኽዛዘም መናእሰይ ሓዊሱ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዘለዉዎ ኮኖም ርብርብ ክገብሩ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኤጀንሲ ዳያስፖራን ሚሲዮናት ፌዴሪኢን ብምትሕብባር፥ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተወከልቲ መናእሰይ ዳያስፖራ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ዝዘተየን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነን ልዝበ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኢትዮጵያ ንኹሉ ኣብ ዘሳተፈ ለውጢ ከምትርከብ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዋላ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ፈተናታት እንተበዝሑዋ ብፅንዓት ናብ ቅድሚት እናተጓዓዘት ከምትርከብ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ እቶም ፈተናታት ሓድነት ህዝቢ ብዝበለፀ ናጠናኸሩ ምምፀኦም ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ዝህልዎም ናፃን ኣሳታፊን መረፃ ከምኡ እውን ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ዝሳለጠሉ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ብመንፅር እዚ ኣብታ ሃገር እናተፈነዉ ዝርከቡ ዘይተገደቡ ፅዕንቶታት ንምፅዋር መናእሰይ ዳያስፖራታት ዝሰርሑዎ ዝተወደበን ስሉጥን ስራሕቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ እዋናዊን ኣገዳሲን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት ብግደአን፥ ዳያስፖራ ማሕበረሰብ ማእገር ሃገሩ ምዃኑ ብዘረጋግፅ መልክዑ ሃገራዊ ፕሮጀክታትን ፃውዒታትን ንምሕጋዝ ልዑል መጠን ዘለዎ ሃፍቲ ኣተኣኻኺቡ ምልኣኹ ኣመስጊነን።

ኣብቲ መድረኽ ፓናሊስት ኮይኖም ዝቐረቡ ኣምባሳደራት ኣብ ኢትዮጵያ እናተፈፀሙ ዝርከቡ ግቡኣት ዘይኮኑ ፅዕንቶታት ንምክልኻል ብዘተሓባብሩዎም ሚሲዮናት እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ልዕሊ 400 ሚሲዮናት ፌዴሪኢ ዝተወከሉ ኣምባሳደራት፣ መራሕቲ ሚሲየናት፣ ዲፕሎማሰኛታት ከምኡ እውን ተወከልቲ ዳያስፖራ መናእሰይ ምርካቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5 ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.