Fana: At a Speed of Life!

ኩለ መዳይ ኢኒሼቲቭ ሃገራዊ ዘተ ብዕሊ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩለ መዳይ ኢኒሼቲቭ ሃገራዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተጣይሹ።

እቲ ኢኒሼቲቭ ኣብ ክሊ መሰረታዊ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘላቒ መድረኽ ዘተ ናይ ምፍጣር ትልሚ ከምዝሓዘ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ምጥያሽ መደረ ዝገበሩ ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣይተ ሙሳ ኣደም፥ እቲ ኢንሼቲቭ ነዛ ሃገር ዘድሊያ ዝተዋደደ ብሄራዊ ዘተ ዕላዊ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

እቲ ከይዲ ብሄራዊ ዘተ ኣፈላላያት ሓሳብ ደረጃ ብደረጃ ካብ ምቅርራብ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ርክብን መንፈስ ሕውነትን ዘጎልቡቱ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

እቶም ተሳተፍቲ ካብ ፓርቲታት ፖለቲካን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተውፃእፅኡ ከምኡውን ንኹለን ክልላት ዘሳተፈ ንክኸውን ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ዴስቲኒ ኢትዮጵያ፣ መኣዲ ሓሳብን ፓርቲታት ፖለቲካን ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ዘጣየሹዎ እቲ ሃገራዊ ዓውዲ ዘተ፥ ኣብ ውሽጢ 2 ኣዋርሕ ናብ ስራሕ ክኣቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.