Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ዘለዋ ሃፍቲ ምርኣይ፣ ምውፃእ፣ ምፍላጥን ምግልጋልን ይግበኦም – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መሰከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ዘለዋ ሃፍቲ ምርኣይ፣ ምውፃእ፣ ምፍላጥን ምግልጋልን ከምዝግበኦም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ብዙሕ ታሪኽ፣ ሓድጊ፣ ባህሊ፣ ህያባት ተፈጥሮ፣ ኣዕዋፍ፣ እንስሳት ዘገዳምን ክጉብነዩ ዝኽእሉን ዘደንቑ ኩነታት ከምዘለዉ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ቀንዲ ዓምዲታ ዘፈር ኢኮኖሚ ሓደ ሴክተር ቱሪዝም ኢዩ” ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተኸፈተ ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢት ቱሪዝምን ሆስፒታሊቲን በፃሕቲ ኢትዮጵያ ምችውቲ ተበፃሒት ዝገብራ ብናሙና ንኽፈልዩ ዕድል ከምዝህብ እውን ገሊፆም።

“ዘለና ዓቕሚ ንምውፃእ፣ ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሓት ፅባቐታትን ርካብን መብፅሒት ብምግባር ንምፍላጥን ንምግልጋልን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ዘለዋ ሃፍቲ ምርኣይ፣ ምውፃእ፣ ምፍላጥን ምግልጋልን ትፅቢት ይግበረሎም” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.