Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያ ሩሲያ “X5” ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርዩ ዕምበባታት ምግዛእ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቢዪ መከፋፈሊ ምግቢ ኩባኒያ ሩሲያ “X5” ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርዩ ዕምበባታት ምግዛእ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ ካብ ኢትዮጵያ ዝገዝኦም ዕምበባታት ናብ ሩሲያ ኣእቲዩ ከከፋፍል ከምዝደሊ ገሊፁ ኣሎ።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝግዝኡ ኣበባታት፥ ፐይቴሮችካን ፐሬክረስቶክን ከባቢታት ሞስኮን ቅዱስ ፒተርስበርግን ንመሸጣ ከምዝቐርቡ ተገሊፁ።

ኩባኒያ “X5”፥ ብማሕበር ኣክሲዮን ኣፍሎራ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝለምዑ ኣበባታት ከምዝገዝእ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ኩባኒያ ኣበባታት ካብ ኣፍሪካ ናብ ሩሲያ ብቐጥታ ብምእታው ካብ ኩባኒያታት መከፋፈልቲ ምግቢ እታ ሃገር ፈላማይ ከምዝገብሮ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ esmmagazine

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.