Fana: At a Speed of Life!

ኩነታት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ዘማእኸለ ጥንኩርን ዘይብዳህን ስርዓት ኢኮኖሚ ምህናፅ ይግባእ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ልምዓት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ምስ ኩነታት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ዘማእኸለ ጥንኩርን ዘይብዳህን ስርዓት ኢኮኖሚ ምህናፅ ይግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣምባሳደር እዚ ዝገለፁ ንሓደሽቲ ተሸምቲ ኣማባሳደራት እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ስልጠና ተረኺቦም ኢዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ እቲ ስልጠና፥ “ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲን” ብዝብል ርእሲ ገለፃ ከምዝተውሃበ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንኣምባሳደራት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት ብምፅናዕ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ብዝሓለወ መልክዑ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.