Fana: At a Speed of Life!

ካብ ስዑድ ዓረብ ንዝምለሱ ዜጋታት ካብ ኣቀባብላ ክሳብ እግሪ ምትካል ዘሎ ከይዲ ንምቅልጣፍ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ስዑድ ዓረብ ንዝምለሱ ዜጋታት ካብ ኣቀባብላ ክሳብ እግሪ ምትካል ዘሎ ከይዲ ንምቅልጣፍ እኹል ምድላው ተገይሩ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣቀባብላ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣቢያተ ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝለበሩ ብ100 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ናይ ምምላስን መሊስካ ምጥያሽን ከይዲ ንምስላጥ ብኣተሓባባርነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተኻተቱሉ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ብርቱካን ኣያኖ ክዝገለፀኦ፥ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ተግባራት ብምስላጥ ዜጋታት ናብ ሃገር ናይ ምምላስ ከይዲ ተጀሚሩ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 102 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ዙረ በረራ ናብ 500 ዝፅግዑ ኢትዮጵያውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተዛሪበን፡፡

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 40 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ከምዝተመዝገቡ ዝገለፃ እተን ሚኒትር ዲኤታ፥ ስደተኛታት ናብ መረበቶም ንምምላስ ምስ ክልላት ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዚያዊ መፅንሒ ከምዝተሰናደአን ኣብሪሀን፡፡

ኣድላዪ ስልጠና ተሃድሶ ብመሃብ ብዘላቕነት መሊስካ ንምጥያሽ ከምዝስራሕ እውን ኣገንዚበን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.