Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቻይና ወፃእ ብለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ 20 ሺሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ቻይና ወፃእ ዘለዋ ሃገራት ብለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ 20 ሺሕ ምብፅሑ ተገሊፁ።

ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝተወለዐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19)፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 100 ዝበፅሓ ሃገራት ምልባዱ እናተገለፀ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 3 ሺሕን 735 ዝኾኑ ሰባት ህይወት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ 101 ሺሕን 927 ዝኾኑ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ካብ ቻይና ወፃእ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ 21 ሺሕን 114 ዜጋታት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ  ሃገራት ግብፂ፣ ኣልጀሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ካሜሮን፣ ቱኒዝያ፣ ቶጎን ናይጀሪያን ከምዝተርኣየ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ ሺንዋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.