Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ድሕሪ 40 መዓልቲ ኣርባዕተ ህፃናት ብህይወት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ይጓዓዙላ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዱር ኣማዞን ምሕምሻሻ ስዒቡ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝነበረ ኣርባዕተ ህፃናት ብህይወት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

እቶም ን40 መዓልቲ ደሃዮም ተሳኢኑ ዝፀንሐ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ህፃናት፥ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ፣ ኣርባዕተ፣ ትሽዓተን ዓሰርተ ሰለስተን ዝርከቡ እዮም ተባሂሉ።

ምስ ወላዲቶም ኣብ ዝጓዓዝሉ ብ01 ጉንበት 2023 ዓ.ም.ፈ እታ ነፋሪት ኣብ ዱር ኣማዞን ተሓምሺሻ።

ወላዲቶምን ፓይለት እታ ነፋሪትን በቲ ሓደጋ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ኮሎምብያ ጉዝታቮ ፔትሮ፥ ምርካብ እቶም ንሰሙናት ደሃዮም ጠፊኡ ዝነበረ ህፃናት ነታ ሃገር ዘሐጉስ ከም ዝኾነ ገሊፆም።

ነቶም ግዳያት “ናይ ሰላም ቆልዑ’ዮም” ብምባል እውን እቶም ፕሬዚዳንት ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ነቲ ዕለት ድማ፥ “ተኣምራዊ መዓልቲ እዩ። ንበይኖም እዮም ነይሮም። ንርእሶም ብህይወት ዘፅንሑ ብናይ ባዕሎም ፃዕሪ እዩ። ታሪኽ ክዝክሮም’ዩ” ከብሉ ሓሳቦም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.