Fana: At a Speed of Life!

ካብ ጳጉሜን ክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና ብዝብል መሪሕ ቃል ልዕሊ 55 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ግንዛብ ምትሓዝ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጳጉሜን ክሳብ ጳጉሜን ክንበፅሕ ኢና ብዝብል መሪሕ ቃል ልዕሊ 55 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ግንዛብ ምትሓዝ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 1 ሺሕን 399 ኪሎ ሜትር ስራሕቲ ህንፀት መገዲ ንምፍፃም ትልሚ ተታሒዙ  1 ሺሕን 188 ኪሎ ሜትር ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ገሊፁ።

ብፅገና መገዲ 13 ሺሕን 604 ኪሎ ሜትር ንምፍፃም ዝተትሓዘ ትልሚ 12 ሺሕን 201 ኪሎ ሜትር(88 ሚኢታዊ) ከምዝተፀገነ ሓቢሩ።

ንመገዲ ፅገናን ድሕንነትን መፈፀሚ 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ብምእካብ ትልሙ 100 ሚኢታዊ ምፍፃም ከምዝኸኣለ እወን ሓቢሩ።

ንመገዲ ፅገና ዝኾኑ ብ600 ሚሊየን ብር ዝተዓደጉ ማሽናት ንክልላት ምክፍፋል ከምዝተኽኣለ እውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ብምኽኒያት ሓደጋ ትራፊክ መገዲ ዝበፅሕ ሞት ሰብ ብ10 ሺሕ ተሽከርከርቲ ካብ 34 ነጥቢ 4 ናብ 32 ንምቕናስ ዝተትሓዘ ትልሚ ናብ 32 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.