Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንነባርን ሓደሽቲን ጣቢያታት ቴሌቪዥን ሃይማኖት ፍቓድ ምሃብ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ 23 መጋቢት 2014 ዐዓም ጀሚሩ ንነባርን ሓደሽቲን ጣቢያታት ቴሌቪዥን ሃይማኖት ፍቓድ ምሃብ ክጅመር ኢዩ።

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ረቂቕ መምርሒ  ብሮድካስት ሃይማኖት ዘተ ይገበር ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መሐመድ እድሪስ፥ ቅድም ኢሎም ብዝነበሩ ፖሊሲታት ን ሕግታትን ትካላት ሃይማኖት ብሮድካስት ንከየጣይሹ ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቓድን ንከይረኽቡ ተኸልኪሎም ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ይኹን አንበር ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ናይ ሃይማኖት ብሮድካስተራት ብሕጊ ኣፍልጦ ነክረኽቡ፣ ፖሊሲ ይኹን ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ምምሕያሽ ብምግባሩ እቲ በዓል መዚ ፍቓድ ኣውፂኦም ንክንቀሳቐሱ ኣድላዪ ኩሉ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ካብ ፅባሕ 23 መጋቢት 2014 ዐዓም ጀሚሩ ንነባርን ሓደሽቲን ጣቢያታት ቴሌቪዥን ሃይማኖት ፍቓድ ምሃብ ክጅመር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.