Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ዕለተ ረቡዕ 36 ሚሊየን ዜጋታት ካርድ ምርጫ ከምዝወሰዱ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ክሳብ ዕለተ ረቡዕ 4 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም 36 ሚሊየን ዜጋታት ካርድ ምርጫ ከምዝወሰዱ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ኣብ ክሊ ከይዲ ምዝገባ መረፅትቲን ዘጋጠሙ ፀገማትን ይዛተ ኣሎ።

ካረድ ምርጫ ክወሰድ ኢዩ ተባሂሉ ካብ ዝተተለመ እቲ 78 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝተመዝገበ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብ መውሳድ እቲ ካርድ ምርጫ እቲ 46 ሚኢታዊ ተሳትፎ ደቂ ኣኒስቲዮ ከምዘርእይ እውን ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱካን ሚደቅሳ ገሊፀን።

ኣብ ውሱናት ከባቢታት ምዝገባ መረፅቲ ዘንጊዑ ምጅማሩ፣ ናውቲታት ምርጫ ንምጉዕዓዝ ሕፅረት ትራንስፖረት ከምዝነበረ እውን ተዛሪበን።

ክፍሊት ምስ ምዝንጋዕ ብዝተዛመደ ኣፈፀምቲ መረፃ ጣቢያ ምርጫ ዓፂዮም ምጥፋእ፣ ሓበሬታ ዘይምሃብን ኣብ ውሱናት ጣቢያታት ካብ መምርሒ ወፃኢ ለዕሊ 1 ሺሕን 500 ሰባት ምምዝጋቦም አውን ከም ፀገም ተላዒሉ።

እቶም ፀገማት በቢብርኮም ንምፍታሕ ዘኽአል ስጉምቲታት ብምውሳድ እቲ ምዝገባ ከምዝተፈፀመ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.