Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ዘሰልጠኖም 387 ሕፁያት መኮንናት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ን8ይ ግዘ ዘሰልጠኖም 387 ሕፁያት መኮንናት ኣመሪቑ።

ኮሚሽነር ጀነራል እቲ ጀነራል ዳመነ ዳሮታ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ረኺቦም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተረኣዩ ዝነበሩ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምትራፍ ኣባላት ፖሊስ ሓላፍነት ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝረአዩ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምእራም ዝተፋለዩ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዘለዉ ዜጋታት ሓለዋ መሰልን ኣተሓሕዛን ብዝምልከት ኣመራርሓታትን ኣባላትን ፖሊስ ቤት ህንፀት እኹል ግንዛበ ክህልዎም ይግባእ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ ን8ይ እዋን ንምምራቕ ዝበቕዑ ሕፁያት መኮንናት እውን እላምኡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ትካል ዝተጀመሩ ለውጢታት ብምጥንኻር፥ ተመረቕቲ ሰብኣዊ መሰል ተሃነፅቲ ሕጊ ኣብ ምኽባር ንኽሰርሑ ሓላፍነት ከምዘለዎምን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክዋፅኡ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ንመበል 8ይ ግዘ ዝሰልጠኑ እቶም ሕፁያት፥ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትካል መሰልጠኒ ኣሌልቱ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ውሽጢ ክፍሊን ሚዳን ዝወሰዱ ኢዮም።

ካብ ሞንጎ ተመረቕቲ 304 ደቂ ተባዕትዮን 83 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኮሚሽነር ጀነራል ቤት ህንፀት ፌዴራል ዳመነ ዳሮታ ሓዊሱ ኮሚሽነራት ኣቢያተ ህንፀፅ ክልላት ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.