Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 1 ሺሕን 516 ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካዳሚ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 22 ን 23 ዙር ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 516 ስሩዕ ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቑ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ናይ ስራሕ መምርሒ ብመሃብ ናብ ስራሕ ኣዋፊረን።

ኣባላት ኮሚሽን ፖሊስን ኩሎም ኣካላት ፀፅታን ንሰላም እታ ከተማን ምርግጋእ ፀፅታን ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ስለዝኾነ ክምስገኑ ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን።

እቲ ምምሕዳር ከተማ፥ ፖሊስ ሰላም ሕብረተሰብ ኣብ ምሕላው፣ ፀፅታን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ፃዕሪ ካብ ሓይሊ ሰብ ጀሚሩ ብእታወትን ካልኦትን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ሓገዘ ከምዝገብር ገሊፀን።

ወይዘሮ ኣዳነች፥ ሃገራዊ መረፃ እዚ ዓመት ብሰላም ንኽካየድ ፖሊስን መላእ ኣካላት ፀፅታን ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው፥ ኣብታ ከተማ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊን ካልኦት ምድላዋትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ዝበረታታዕ ስራሕ ምስርሑ ተዛሪበን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሰላም ዘተኣማምን ንኽኸውን ድማ ኣብ ቀፃሊ 60 ተወሰኽቲ ጣቢያታት ፖሊስ ናይ ምውዳብ ስራሕቲ ከምዝስርሑ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.