Fana: At a Speed of Life!

ወሓዚ ሩባ ተከዘ ብምጥቃም ኣብ ወረዳ ኣስገደ ልዕሊ 600 ሄክታር መሬት ብኣሕምልትን ፍረምረን ይለምዕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍትን ሓረስቶትን ክልል ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ኣብ ልምዓት መስኖ ይነጥፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ክኢላ መስኖ እቲ ወረዳ ኣይተ ምዕሾ በየነ፥ ሩባ ተከዘ ብምጥቃም ኣብ ጣብያታት ደደቢትን ዓዲ መሓመዳይን ብሰብ ሃፍትን ሓረስቶት ወረዳ ኣስገደ ልዕሊ 600 ሄክታር መሬት ብኣሕምልትን ፍረምረን ይለምዕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ልምዓት ንብዙሓት መናእሰይ ብግዝያዊነት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ።

ኣብቲ ልምዓት መስኖ ካብ መንጎ ዝተዋፊሩ ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዘጋጠመ ማህሰይቲ  ከይተሰኮንናን ተስፋ ከይቆረፅናን ዝዓነወ ልምዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ቀትርን ለይትን እንዳሰራሕና ንርከብ ኢሎም።

በዚ ድማ ተረባሕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ንጀነሬተር ዘድሊ ነዳዲ በቲ ዝተተመነ ዋጋ ስለይርከብ ንፅገም ኣለና ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ፀገም እንተተፈቲሑ ሰፋሕቲ ቦታታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እንዳለምዑ ብምዃድ፥ ካብ ባዕሎም ሓሊፎም ንብዙሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ምዝራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.