Fana: At a Speed of Life!

ወርቃማ ዓወት ዝሓፈስና ዝዓበየ ስእሊ ምርኣይ ዝኽእሉ፣ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ኮይኖም ፀገማቶም ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዘለዎም ኣደታትን ኣቦታትን ስለ ዘለዉና ኢዮም- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃግብሪ መዕፀዊ መድረኽ ” ብዝሰልጠነ ልዝብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ” ብዝብል ርእሲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣደባበይ ሕውነት ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ኣብዝገበርኡ መደረ፥ ንሕና ኢትዮጵያውያን ቅድሚ 125 ዓመት ብፅንዓት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተኣሳሲትና ክሳብ ሎሚ ከይተፋታሕና ፀኒሕና ኢና ኢለን።

ነዚ ወርቃማ ዓወት ዝሓፈስና ድማ ዝዓበየ ስእሊ ምርኣይ ዝኽእሉ፣ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ኮይኖም ፀገማቶም ናይ ምፍታሕ ልምዲ ዘለዎም ኣደታትን ኣቦታትን ስለ ዘለዉና ኢዮም ኢለን።

ስለ ዝኾነ ምልዛብ ባህልና ይኹን ኢለን።

ዓወት ኣቦታትና ድሕሪ 40 ዓመታት ዓወት ዓድዋ ዝመፀና ፈተናን ነዚ ስዒቡ ዘጋጠመ ድርቅን ክንብድሆ ኣኽኢሉና ኢዩ አውን ኢለን።

ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይኹን ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ብምድምማፅ፣ በምምኻርን ብምርድዳእን ብዝተገበረ ዘተ መንፈስ ዓወት ዓድዋ ሐዚ እውን ከምዘሎ ተራእዩ ኢዩ ኢለን።

ተኣኻኺብና እንትንዛተ ንኻልኦት እውን ክንሕግዝ ንኽእል ኢን ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.