Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዘሓለፉ 7 ዓማውቲ እምነ ኹርናዕ ተቐሚቱሎም ስራሕ ዘይጀመሩ ናይ ክልተ ሆስፒታላት ህንፅት ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንዘሓለፉ 7 ዓማውቲ እምነ ኹርናዕ ተቐሚቱሎም ስራሕ ዘይጀመሩ ናይ ክልተ ሆስፒታላት ህንፅት ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚረን።

ኣብ ክፍለ ከተማታት ንፋስ ስለኪ ላፍቶን ኮልፌ ቀራንዮን ዝህነፁ እቶም ሆስፒታላት፥ ሕድሕዶም ልዕሊ ብር 548 ሚሊየን በጀት ከምዝተትሓዘሎም ኣብቲ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ተገሊፁ።

ሓፈሻዊ ህንፀት እቶም ሆስፒታላት ኣብ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሆስፒታላት ግልጋሎት ሪፈራል ዝህቡ ስለዝኾኑ ካብተን ክፍለ ከተማታት ወፃእ ካብ ምዕራብ፣ ደቡብን ምብራቕን ኦሮሚያ ንዝመፅ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከምዝህቡ ተገሊፁ።

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘልዕሎ ፀገም ተበፃሕነት ኣገልግሎት ሆስፒታል ንምፍታሕን ፅሬቱ ዝሓለወ ኣገልግሎት ጥዕና ንመሃብ እቶምን ሆስፒታላት ዕዙዝ ግደ ከምዋፅኡ እተን ምክትል ከንቲባ ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.