Fana: At a Speed of Life!

ወፍሪ ህልውና ብዓወታት ተዓጂቡ እናተፈፀመ ይርከብ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ድጋፍ ዜጋታት ናብ ግምባር ካብ ምዝማት ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ሓገዛት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።

እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ህልውና ማሕበረሰብ ዓለም ብዘተሰሓሓተ መገዲ ክግንዘብ ንምግባር ዝኽተሉዎ ኣካይዳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ እውን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ብኣየር ይኹን ብመሬት ናብ ክልል ትግራይ እናከፋፈሎ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንደሓር ብምባል ከምዘየለ ዝፅብፅሉ መገዲ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

“ብተፃራሪ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምኽንያት ዝፈጠሮ ፀገም ሰብኣዊ ሓገዛት ንምጉዕዓዝ ማሕለኻ ምፍጣሩ እቶም ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ እንተልዕሉ ኣይስማዕን” ኢለን፡፡

ሲ ኤን ኤን ሓዊሱ ሓደ ሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ “ኹመራ ማሻከር” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ከምዝተፈፀመ እናጋውሑዎ ዝነበረ ሓበሬታ ፍፁም ሓሶት ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓቱ ፀብፃባት ምፅብፃቦም እናቐፀሉሉ ዝሓበራ እተን ሚኒሰስትር ዲኤታ፥ ነዚ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ትምሃሮ ዝራእቲ ስድራ ዘመትቲ ንኽእክቡን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሳተፍቲ ንኽኾኑን ብምሕሳብ ንዝተወሰኑ መዓልቲታት ትምህርቲ ንኽዕፆ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ቢ ቢ ሲ “መንግስቲ ተምሀሮ ንኲናት መቀፃፀሊ ንምጥቃም ትምህርቲ ንምቁራፅ ወሲኑ” ብምባል ፍፁም ብዝተሰሓሓተ ኣካይዳ ናብ ዓለም ምግውሑ ከም ኣብነት ኣልዒለን፡፡

ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዛዕባ ሓቂ ሃገሮም ጠጠው ብምባል እቲ ትኽክለኛን ሓቂን ምስሊ ንምርዳእ ንዝገበሩዎ ቃልሲ ልዑል ምስጋና ከምዝግበኦም ገሊፀን።

ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብምንቅስቓሳት “የኣክል”፣ “ኣይዞና”ን ካልኦትን ሃገሮም ንምሕጋዝን ትኽክለኛ ምስሊ ሃገሮም ንምፍላጥ ንዝገበሩዎ ፃዕሪ ኣመስጊነን።

ሓደ ሚሊየን ዝኾ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገሮም ንምምፃ እናገበሩዎ ዝርከቡ ምድላው ዓቢዪ ትርጉም ዝወሃቦ ከምዝኾ ብምግላፅ፥ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት እውን ዝሪኡዎ ነባራዊ ኩነታት ናብ ዓለም ከምዘጋውሑ ኣፍሊጠን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.