Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ኣዳነች መዓልቲ ክብሪ መገልጋላይነት ኣመልኪተን ምስ ሰራሕተኛታት ፅሬት ወፍሪ ፅሬት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ክብሪ ኣገልጋላይነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ወፍሪ ፅሬት እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝረኻባ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ “ምግልጋል ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ክቡር ዝኾነ ተግባር ኢዩ፤ ኣገልግሎት ኩሉ ሰብ ዕድሚኡ እናሃበን እናተቐበለን ዝህልወሉ ኣካል ህይወት ኢዩ” ኢለን።

ምግልጋል ብሓቂ ንዝተረደኦ ንኡሽተይ ዘይበሃል፣ ካብ ንኡሽተይ ገዛ ጀሚሩ ክሳብ ቤተ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ፣ ቅንዕናን ኣኽብሮትን ምዃኑ እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን።

ኣብ ቀፅሪ ቤት ማዛጋጃ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ፅሬት፥ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ሰራሕተኛታት ፅሬት፣ ሰብ ሞያ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ ወለንታውያን መናእሰይን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ከምዝተሳተፉ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.