Fana: At a Speed of Life!

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ”ብሪጅ ሜከር ኣዋርድ” ዓለም 2020 ተባሂሎም ዝተዓወቱሉ ሽልማት ሎሚ መዓልቲ ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም ”ብሪጅ ሜከር ኣዋርድ ዓለም 2020” ተባሂሎም ዝተዓወቱሉ ሽልማት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ነርወይ ኦስሎ ተረኺቦም ሽልማቶም ተቐቢሎም።

ዶክተር ቴድሮስ አድሃኖም፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት 8 መስከረም 2013 ዓም ኣብ ኖርወይ ዝዳሎ ብሉፅ ”ብሪጅ ሜከር አዋርድ” ዓለም ሽልማት ተዓዋቲ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ዝኾኑሉ ቀንዲ ምኽንያት፥ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ቫይረስኮሮና ዝኸፍአ ጉድኣት ሓደጋ ንኸየብፅሕ ንዝገበሩዎ ውሕሉል ኣመራርሓ ኢዩ።

ቅድሚ 100 ዓመት ዝተወለዐ ተመሳሳሊ ለበዳ ቫይረስ ልዕሊ 50 ሚሊየን ዜታታት ህይወቶም ከምዘስአኖም ሓበራታታት የመላኽቱ።

ቅድሚ 10 ወርሒ ዝተወለዐን ብቕልጡፍ ናብ መላእ ዓለም ዝተላበደን ቫይረስ ኮሮና እውን ዓቢዪ ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረን ዘሎን ይኹን እመበር ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዋና ዳይሬክተርነት ዝመርሑዎ ዘለዉ ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየብፅሕ ዕዙዝ ግደ እናተፃወተ ብምዃኑ ንዝሃቡዎ ዕዙዝ ኣመራርሓ ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ገይሩዎም ኢዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ሽልማት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ብምዃነይ ኩርዓት ይስመዐኒ ኢሎም።

“ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንዓለም መሰረታ ነቕኒቑዎ እምበር ኣይሰበሮን” ክብሉ እውን ገሊፆም ኢዮም።

ለበዳ ቫይረስኮሮና ንዓለም ዓቢዪ ቁምነገር ዝሓዘለ ትምህርቲ ሂቡ ከምዝሓልፍ ኣገንዚበም።

እቲ ሽልማት ምልክት ውፅኢት ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.